ናትና ትምኒት ዝተምሃረት ኢትዮጵያ ምህናፅ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተምሃሮ ንዓርሶምን ሃገሮምን ክልውጡ ምድጋፍ ዕላማና እዩ።
ትምህርቲ ንኢትዮጵያ (Education for Ethiopia) ናይ ግብረ ሰናይ ትካል እንትኸውን ዕላምኡ ድማ ዲጂታል ትምህርቲ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ምቅራብ እዩ። ኢትዮጵያ ናይ ብዙሕ ቋንቋታትን ባህልን ሃገር እያ። ካብ ማእኸል ህዝብታት እታ ሃገር 40 ሚእታዊ ዝኾኑ ትሕቲ 14 ዕድመ ዘለዉ ኣባፅሕ እዮም። ሕልምና ናይ ኢትዮጵያ ተምሃሮ ብናይ ባዕሎም ቋንቋታት ዝተሰርሑ ናይ ዲጂታል ትምህርቲ ሓገዝቲ ብምጥቃም ንዓርሶምን ንሃገሮምን ክልውጡ ምሕጋዝ እዩ።




ናይ ቋንቋ ፀገም
ትምህርትታት ሳይንስ ብደንቢ ብዘይንዛረቦ ቋንቋ ምምሃር ብጣዕሚ ከቢድ እዩ።


ናይ ኢትዮጵያ ተምሃሮ ካብ ዘጋጥሞም ፀገም ሓዲኡ እቲ ላዕላዋይ ትምህርቲ ብኢንግሊዘኛ ዝውሃብ ምኳኑን መብዛሕቲኦም ድማ ናይ ኢንግሊዘኛ ክእለቶም ብዙሕ ብዘይሙኻኑ እቶም ከበድቲ ናይ ትምህርቲ ዓይነታት (ብፍላይ ድማ ሒሳብን ሳይንስን ዘተኮረ) ብቐሊሉ ኣይርድእዎን። ንሕና ነዚ ኣብቲ ሞንጎ ቤት ትምህርትን ተምሃሮን ዘሎ ክፍተት ናይ ምምላእ ተስፋ አለና። ኣብያተ ትምህርትታት ናይ ምትካእ ድልየት ይኹን ዓቕሚ የብልናን፡፡ ኮይኑ ግና ነቶም ተምሃሮ ብምድጋፍ ነቲ ትምህርቲ ብቐሊሉ ክርድኦ ምግባር ንክእል ኢና።
ናይ ግዘ ፀገም
ተምሃሮ ካብ ትምህርቲ ወፃኢ ብዙሕ ሓላፍነት ኣለዎም።
ሓደሓደ ግዘ ድማ ካብ ዕድምኦም ንላዕሊ ዝኾኑ ሓላፍነት ተሰኪሞም ንትምህርቲ ዘለዎም ግዘ ፀቢብ ይኸውን። ከምቲ ዝፍለጥ እዚ ሓላፍነት ብፍላይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ተፅዕኖ ይገብር።
-
እንጀራ ምስንካትን ነቲ ስድራ ምግቢ ምድላው
-
ናብ ዕዳጋ ከይድካ ነቲ ስድራ ዝኸውን እቶት ኣታዊ ምግባር
-
ኣናእሽቶ ኣሕዋት ምሕብሓብ
-
አረ ኽንደይ!



ናትና ግደ
ናይ ትምህርቲ ተበፃሕነት ምርግጋፅ
ዲጂታል ትምህርቲ ብ ዝተፈላለዩ ናይ ኢትዮጵያ ቋንቋታት ካብ ምቕራብ ብዝሓለፈ ተምሃሮ ዝፈልጥዎም ኣብነታት ብምጥቃም እቲ ትምህርቲ ክቀለሎም ንገብር።
እቲ ናይ ዲጂታል ትምህርትና ተምሃሮ ብግሎም ብንጥፈት ንከፅንዑን ከምዝደለዩ ክደጋግምዎን ይረድኦም። ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንንእሽተይ ግዘ እኳ ካብ መአዲ ትምህርቲ እንተተንስኡ እቲ ናትና ፕሮግራም ብቐሊሉ የከሓሕሰሎም፡፡
ብተወሳኪ ትምህርትና ብቐሊል ቪድዮታት ዝተቐናበረን ብ ዝተፈላለዩ ዝፍለጡ ናይ ትምህርቲ ትካላት ዝተደገፈ እዩ።



ተምሃሮ ሽትኦም ክወቕዑ ምግባር።
ናይ ኢትዮጽያ ተምሃሮ ግቡእ ድጋፍ እንተተገይርሎም ኣብ ዓብይ ደረጃ ይበፅሑ።



ኢትዮጵያ ናይ ኣባፅሕን መናእሰይን ሃገር እያ ። እዞም መናእሰይ ካብ ባዕሎም ሓሊፎም ንስድርኦም ይኹን ማሕበረሰቦም ምርዳእ ይኽእሉ እዮም።እዚ ጭቡጥ ንምግባር ናትና ግደ ትምህርቲ ብቀሊሉ ምቅራብን ምቹው ምግባርን እዩ። ሕልምና እቶም ናይ ሎሚ ተምሃሮ ናብቶም ናይ ፅባሕ በዓል ሞያታትን ፕሮፌሽናላትን ምቅያር እዩ፡፡
መዳርግትና
ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ብምትሕብባር ዕላማና ዕላዊ ምግባር
በዚ ሐዚ ሰዓት ምስ ካን አካዳሚ "Khan Academy" ስምምዕነት ኣለና። ናቶም ትምህርቲ ናብ ዝተፈላለዩ ናይ ኢትዮጵያ ቋንቋታት ናይ ምቅያር ስራሕ እዳሰራሕና ንርከብ። ምስ ኻልኦት ትካላት እውን ናይ ምስራሕ ድልየት ኣለና። ብፍላይ ድማ ብትሕዝቶ ትምህርቲ ፥ ትርጉምን ኣብ ተበፃሕነት ምሳና ሓቢሮም ዝሰርሑ ድርጅታት ትካላትን ኩል ግዘ ንደሊ። ብሓባር ኮይንና ብምትሕብባር ኣብ ደቂ ኢትዮጵያ ኣውንታዊ ተፅዕኖ ከም እነሕድር ምንም ጥርጣረ የብልናን።
We are grateful to the McMillan Stewart Foundation for their grant support for content production.
STEMpower is an educational institution with a large presence in Africa, particularly in Ethiopia. Through their country-wide STEM Centers, we are working to make our content available for students across Ethiopia.
We are continuing our work with the Ministry of Education of the Federal Democratic Republic of Ethiopia,supporting STEM education in schools and participating in the annual National Science and Engineering Fair.
We are collaborating with China-based NGO, Shero League, in order to provide 1on1 Chinese learning for selected Ethiopian students. In this program, young college students and graduates from China provide intro Chinese lessons to young people in Ethiopia. Would you like to see a video showing the progress of students in just a few months?


Established in 1926, Lycée Guebre-Mariam is the most prominent French school in Ethiopia. We are honored that they are providing us access to their state-of-the-art laboratories to film our STEM content for a wider audience. Through this collaboration, we are hoping that millions of students who don't have access to the same facilities can still broaden their horizons.
ብሎግ